One Stop Shop Translations

Tigrinya

ናብ ንውሃም እንቋዕ ብደሓን መጻኹም

ናይ ኩሉ ኣገልግሎታት ማእከል (ዋን ስቶፕ ሾፕ)

ምስ ክፋል ብነጻ ስራሕ ዝሰርሑን ማሕበረሰብን ብምትሕብባር፣ ብተኻታታሊ ዝካየድ ናይ ኩሉ ኣገልግሎታት ማእከላት ከፊትና ኣለና። እቶም ሰሙናዊ ዝካየዱ ናይ ኩሉ ኣገልግሎታት ማእከላት፣ ኣብ ንውሃም ሂወት ንምጅማር ዝኾኑ፣ ብዙሓት ዝተፋላለዩ ነገራት ዝርከቡሉ ዕድላት የበርክቱ እዮም። እዚኣቶም ቆጸራ ዘየድልዮም መደባት ስለዝኾኑ፣ እቲ መደብ ኣብዝካየደሉ ግዜ ሰባት ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክመጹ ይኽእሉ እዮም - ክመጽእ እየ ዝብል መልሲ ምሃብ ኣየድልይን እዩ። 

ኣብቲ ናይ ኩሉ ኣገልግሎታት ማእከል እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ሓገዛት ብኣባላት ክውሃቡ እዮም፡ 

  • ናይ እንዳ ሓኪም ምዝገባ ሓገዝ
  • ናይ ዩኒቨርሳል ክረዲት ሕቶታት
  • ናይ ገዛ ወጻኢታትን ናይ ቻይልድ በነፊትን ሕቶታት 
  • ናይ ቤት ትምህርቲ ምዝገባ ደገፍ
  • ናይ ብስእነት ገዛ ደገ ምሕዳር ደገፍ 
  • ናይ ቢ ኣር ፒ ሓበሬታ
  • ናይ ኢሶል ምዝገባ 
  • ናይ ስራሕ ምድላይ ሓገዝ 
  • ናይ ግሊ ገዛ (ፒ ኣር ኤስ) ክራይ ናይ ምክራይ ዓቕሚ ገምጋም ምክያድ
  • ናይ ክራይ ቀጻልነት ደገፍ

እቲ ናይ ኩሉ ኣገልግሎታት ማእከል፣ ኣብ ስትራትፈርድ ላይብረሪ - Stratford Library - 3 The Grove, E15 1EL፣ ሓሙስ ሓሙስ ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ክካየድ እዩ።

ኣብ ወርሓዊ ዘላ ናይ ቀዳመይቲ ሓሙስ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ብቕዓትን ናይ ስራሕ ደገፍን ኣትኩሮት ክግበር እዩ። ኣብ ወርሓዊ ዘላ ናይ መጨረሽታ ሓሙስ፣ ናይ ፒ ኣር ኤስ ገዛ ናይ ምርካብ መደባት ከነካይድ ኢና።

ከምኡ`ውን ናይ ኢሶል ትምህርቲ፣ ናይ ስራሕ ብቕዓትን ናይ ኢሚግሬሽን ምኽርን ብዝምልከት ክሕግዙኹም ዝኽእሉ ኣባላት ኣብ ርንዋል ፕሮግራም - Renewal Programme – 395 High Street North, London E12 6PG፣ ሰሉስ ሰሉስ ካብ ሰዓት 11.30 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ክህልዉ እዮም።

ኣብኡ ክንርእየኩም ብተስፋ ንጽበ።

 

ጋንታ ናብ ንውሃም እንቋዕ ብደሓን መጻኹም

ኢመይል Welcome.newham@newham.gov.uk

ተሌፎን 020 3373 3222

ናይ ነጻ ተሌፎን 0800 916 8757

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ኪው ኣር ኮድ ተጠቐሙ